ልጥፎች

ክንዮ ምግሃስ ክብሪ ዋዕሮ ትግራይ...!!! Rape as a Weapon of war in Tigray

 ክንዮ ምግሃስ ክብሪ ዋዕሮ ትግራይ...!!! ብ ሞናሊዛ ድሕሪ ዓወት 1983ዓ.ም ትግራይ ዳግም  ኲናት ከጓንፋ እዮ ኢሉ ዝሐስብን ዘስተንትንን ዋላ ሐደ ትግራዋይ ስለዘይነበረ ነብሲወከፍ  ተጋሩ ንመፃኢና አሚትና ዓለም ዝበፅሖ ናሕሲ ስልጣነን ምዕባለን ክንበፅሕ ፍሕጠርጠር ዝበልናሉ ፣ በቲ ፍሕጠርጠር ዝበልናሉ መጠን ድማ አብ መላእ ዓለም አብ መድረኽ ዓለም አንዳዕዲዕና እንምከሐሎም ሊቃውንቲ፣መሃዝቲን ተመራመርቲን ዘፍረናሉ፣ ብኩለመዳይ ንቅሐተ ሕልናና ሐፍ ዝበለ ተጋሩ ዝፈጠርናሉ ልዕሊ ርብዒ ክፍለዘመን እዮ ሐሊፉ፡፡  እዚ ከምብዋዛ ዝሐለፈ መዋእል በዚ ከምዚዓይነት ስነ ልቦና ምሕላፍና አየናስሐናን እኳደአስ እንሕበነሉን አብ ታሪኽ አንዳዕዲዕና ንውልድ ወለዶ እነዘንትዎ ወርቃዊ ታሪኽና ምኳኑ ኩላህና ንስማዕመዐሉ፡፡ አብዚ መዋእል ዋላኳ በዚ ጥንኩር ስነልቦና እንተሐለፍና ፈታዊናን ፀላኢናን ከይመመና፣ ሰምዒን ወርቂን ቅኔ ናይታ እንሃንፃ ዝነበርና "እታ ሽማ እኳ ክትፅወዓ እተሰክፈካ ሃገር " ከይፈታሕና ( እዚ ነቲ አብዘሓ ሐፍሽ 'ምበር ገለ ፖለቲከኛታትን ልሂቃን ተጋሩን ነዚ ይዝንግዕዎ እዮም ዝብል እምነት የብለይን) ፣ አብ ታሪኽ ዝተበደልናን ዝተወፃዕናን ክንስና ነቶም ንሐርነቶም መስዋእቲ ንዝኸፈለሎም ከዲዖም በገዛ ፍቃዶም ንባርነት ኢዶም ዝሃቡ እልፊ መጣቃዕቲ ብሄርብሄረሰባት ኢትዮጵያ ተጣበቕቲ ኮይንና ንዓርስና ከይኮንና ብስክፍታን ከይብሉኒን ዘሐለፍናዮ  መዋእል 'ምበር ምስ ልብና ዝተጉዓዝናሉ መዋእል ኔሩ ዝብል እምነት የብለይን፡፡ ፀላእትና ግና አብክንዲ ነቲ ብደምናን አዕፅምትናን ዘምፃእናዮ ሰላምን ምዕባለን ዘስተማቕሩ ፣ እቲ አቦታቶም አብ ልዕሌና ዝፈፀምዎ ታሪኽ ዘይርሰዖ ወፅዓን በደልን ረሲዕና ሕድገት ጌርናልኩም እንትንብሎ...

ኣሸንዳ… ቅነ ሓርነት ጎራዙ ትግራይ

ምስል
  ክራማት ሒዙ ሰነን ሓምለን ክዛዘም ባሕቲ ነሓሰ   እንትቃረብ ብፍላይ ሰናይ ዘበን እንተኾይኑ ሓምለን ነሓሰን ኣይንፈላለ ኮይኑ ዝናብ ክራማት ጢቕ እንትብል ፤ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ መዓንጠአን ሸጥ ኣቢለን ቀልበንን ውራየንን ኣሽንዳ ይኸውን፡፡ ኣሸንዳ ን ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ፉሉይ ክብሪ እዩ ዘለዎ፡፡ ኣሸንዳ መግለፂ ባህሊ፤ክብሪን መንነትን ህዝቢ ትግራይ፤ ኣሸንዳ መግለፂ ናፅነትን መዓርነትን ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ፤ ኣሸንዳ መግለፂ ሓድነት ሃይማኖታት ትግራይ፤ ኣሸንዳ ነፀብራቕ ማሕበራዊ፤ ቁጠባዊን ፖለቲካዊን ኣራእያን ፍልስፍናን ትግራይን ተጋሩን፤ ኮታስ ኣሸንዳ ንተጋሩ ብፍላይ ድማ ንደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ኣውደኣመት ጥራሕ ኣይኮነን፡፡ መፍለይ ትግራይን ትግራዋይነትን ውን እዪ ኣሸንዳ፡፡ ኣብዚ ዓምዲ ትርጉም፤ ድሕረ ባይታ ኣከባብራ ኣሸንዳን   ምትእስሳር ኣሸንዳን ደቂ ኣንስትዮ ትግራይን ገለ ፅሑፋት ተወኪሰ ክድህስስ እየ፡፡                                           ድሕረ ባይታ ኣሸንዳ   ታሪኻዊ ድሕረ ባይታ በዓል አሸንዳ ሃይማኖታዊ ትሕዝቶ እዩ ዘለዎ ንዝብሉ ንነዊሕ ግዚያት ብስሩዕን ብዘይ ስሩዕን ንዝወሃቡ ሓበሬታታት ብጥሪኡ ወስደ ሃይማኖታዊ ትርጉሙ እዚ እዩ ንምባል ክፅገም እየ፡፡ምኽንያቱ ኣብ ዙርያ ኣሸንዳ ትኹረት ጌሮም ዕላዊ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ዘሐተሙ ሊቃውንቲ ክካትዑሉ እምበር ክስዕምዑሉ ስለዘይተዓዘብኩ፡፡ ኣሽንዳ    ሃይማኖታዊ ድዩስ ወይስ ባህላዊ መበገሲ ዘለዎ ንዝብል ብመርትዖታት ኣደጊፎም ንዝካትዑ ሊቃው...