ኣሸንዳ… ቅነ ሓርነት ጎራዙ ትግራይ

 

ክራማት ሒዙ ሰነን ሓምለን ክዛዘም ባሕቲ ነሓሰ  እንትቃረብ ብፍላይ ሰናይ ዘበን እንተኾይኑ ሓምለን ነሓሰን ኣይንፈላለ ኮይኑ ዝናብ ክራማት ጢቕ እንትብል ፤ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ መዓንጠአን ሸጥ ኣቢለን ቀልበንን ውራየንን ኣሽንዳ ይኸውን፡፡

ኣሸንዳ ን ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ፉሉይ ክብሪ እዩ ዘለዎ፡፡ ኣሸንዳ መግለፂ ባህሊ፤ክብሪን መንነትን ህዝቢ ትግራይ፤ ኣሸንዳ መግለፂ ናፅነትን መዓርነትን ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ፤ ኣሸንዳ መግለፂ ሓድነት ሃይማኖታት ትግራይ፤ ኣሸንዳ ነፀብራቕ ማሕበራዊ፤ ቁጠባዊን ፖለቲካዊን ኣራእያን ፍልስፍናን ትግራይን ተጋሩን፤ ኮታስ ኣሸንዳ ንተጋሩ ብፍላይ ድማ ንደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ኣውደኣመት ጥራሕ ኣይኮነን፡፡ መፍለይ ትግራይን ትግራዋይነትን ውን እዪ ኣሸንዳ፡፡

ኣብዚ ዓምዲ ትርጉም፤ ድሕረ ባይታ ኣከባብራ ኣሸንዳን  ምትእስሳር ኣሸንዳን ደቂ ኣንስትዮ ትግራይን ገለ ፅሑፋት ተወኪሰ ክድህስስ እየ፡፡

                                         

ድሕረ ባይታ ኣሸንዳ

 ታሪኻዊ ድሕረ ባይታ በዓል አሸንዳ ሃይማኖታዊ ትሕዝቶ እዩ ዘለዎ ንዝብሉ ንነዊሕ ግዚያት ብስሩዕን ብዘይ ስሩዕን ንዝወሃቡ ሓበሬታታት ብጥሪኡ ወስደ ሃይማኖታዊ ትርጉሙ እዚ እዩ ንምባል ክፅገም እየ፡፡ምኽንያቱ ኣብ ዙርያ ኣሸንዳ ትኹረት ጌሮም ዕላዊ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ዘሐተሙ ሊቃውንቲ ክካትዑሉ እምበር ክስዕምዑሉ ስለዘይተዓዘብኩ፡፡

ኣሽንዳ   ሃይማኖታዊ ድዩስ ወይስ ባህላዊ መበገሲ ዘለዎ ንዝብል ብመርትዖታት ኣደጊፎም ንዝካትዑ ሊቃውንቲ ክንገድፈሎም እሞ ዛጊድ ኣብ ዘልዕልዎም ነጥብታት ክነድህብ፡፡

ሊቃውንቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ታሪኽ ኣጀማምራ ኣሸንዳ  ክልተ መሰረታዊ መበገሲታት ከምዘለዎ ይገልፁ፡፡ እቲ ሓደ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ሞይታ ምስ ዓረገት ኣብ ሰማይ ኮይና ቀይሕ ሕብሩ ነዊሕ ቀምሽ ተኸዲና ንካህናት ስለ ዝተርኣየቶም ን ዕርገታ ዝዝከረሉ ዕለት ዝኽበር እዩ ዝብል እዩ፡፡

 እቲ ካልኣይ ድማ ፍልስጠየማውያን ንመሬት እስራኤል ክወሩ ኣብ ዝወፍሩሉ እዋን ንጉሳዊ ዘርኢ ዘለዎ ኮይኑ ካብ ኣሚን ዘይኮነስ ካብ ደገ ዝተወለደ ጌድዮን ዝተብሃለ ወዲ ንጉስ ናይ አብኡ ውርሲ መታን ከይወርስ ኢሎም ኣሕዋቱ ኣግሊሎምዎ ከምዝነበሩን በዚ ግዜ እዙይ ድማ እስራኤላውያን ንፍልስጤማውያን ኣጥፊኡ ከመሓድሮም ኢሎም ንጌድዮን ከምዝሓተትዎ ፤ ጌድዮን ድማ ንሕቶኦም ተቐቢሉ ክፍፅም እንተኮይነ ንጉስኩም ክትገብሩኒ ቃል እተውለይ በሎም ፡፡ቃል ድማ ኣተዉሉ፡፡ በዚ እዋን ጌድዮን ናብ እግዚኣብሄር ተመፃበዐ “ ፀላእቲ ደምሲሰ እንትምለስ ፈለማ ክሰግደለይ ንዝመፀ ሰብ መስዋእቲ ከቕርበልካ እየ” ኢሉ፡፡ ጌድዮን ከም መፅብዕኡን ዝኣተዎ ቃልን ፀላእቱ ደምሲሱ ናብ እስራዐየላውያን ወገናቱ እንትምለስ ፈለማ ክትሰግደሉ ሓንቲ ጎርዞ መፀት ፤ እታጎርዞ ድማ ጓል ባዕሉ ነበረት፡፡ ዝኣተዎ መፅበዓ ግና ክዓፅፍ ኣይደለየን፤ መፅብዕኡ ክፍፅም ወሰነ ፤ ኣቐዲሙ ድማ ነብዐ፡፡ እታ ጓሉ ድማ ኣቦኣ ክነብዕ ምስ ረኣየት “ስለምንታይ ትነብዕ ኣለኻ “ ሓተተት፡፡ እቲ መፅበዓ ድማ ነገራ፡፡ “በዚ ኣይትፀገም ዝኣተኻዮ ቃል ክትፍፅም ትኽእል ኢኻ ኮይኑ ግና ናይ ክልተ ወርሒ ግዘ ሃበኒ እሞ ብዛዕባ ክቡር ድንግልናይ ኣብ ጎቦታት እስራኤል እናተዘዋወርኩ ክገልፅ ይደሊ እየ“ በለቶ፡፡ ፈቐደላ ድማ፡፡ በዚ መሰረት ኣብ ጎቦታት እስራኤል እናተዘዋወረት ብዛዕባ ድንግልናኣ ገለፀት፡፡ብድሕሪ እዙይ ጌድዮን ብመሰረት መፅብዕኡ ንጓሉ መስዋእቲ ገበረ፡፡ጓል ጌድዮን ዝተሰወአትሉ ዕለት ብምዝካር ድማ በቢ ዓመቱ ጎራዙ ኣሸንዳ ይፃወታ ዝብል እዩ፡፡

ኣብ 2009 ዓ.ም ኣብ 1ይ ሃገራዊ ሲምፖዝየም ቋንቋታት ትግራይ ኣብዝተሓተመ በዓል ኣሸንዳ ጠመተ ጌሩ ብ ሰላም በላይነህን ዶ/ር ሙሉ ብርሃን ባለልኝን ኣብ ዝተፅሓፈ ፅሑፍ ታሪኻዊ ኣጀማምራ ኣሸንዳ መካተዓይ ኮይኑ ንረኽቦ፡፡

እቲ ኣብ ላዕሊ ዝዘርዘርናዮ ሃይማኖታዊ ድሕረ ባይታ ብፍላይ ምስ ዕርገት ድንግል ማርያም ዝተኣሳሰር ታሪኽ እንትንወስድ ዕርገት ድንግል ማርያም ክዝክራ ዝግበኣን ደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ድየን ዝብል ሕቶ ይወልድ፡፡ነዚ ሕቶ ድማ ሊቃውንቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ መልሲ ኣለዎም ይብል እቲ መፅናዕታዊ ፅሑፍ፡፡ ን ቃለመሕትት ሊቀሊቃውንቲ ያሬድ ካሳ ይውከስ፡፡

ቅድሚ ምውላድ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ሰብኡት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ይዕንድሩን ይምክሑን ኔሮም፡፡ ብሰንኪ ሓጥያት ሄዋን ደቂ ኣንስትዮ ብሓፈሻ ከም ሓጥያተኛታት ይቖፅርወን ኔሮም፡፡ ድሕሪ ምውላድ ድንግል ማርያም ግና እቲ ብሰንኪ ሓጥያት ሄዋን ተወሲዱ ዝነበረ ክብርናን ተዓፅዩ ዝነበረ ገነትን ተኸፊቱልና ኢለን ኣንስቲ ብግደአን ክምከሓ ኮይነን ፡፡ብኣኽን ምኽንያት ሞት መፂኡ ትብሉ ዝነበርኩም ቅድስቲ ድንግል ማርያም ን ክርስቶስ ወሊዳ ሕዚ ድማ ብኣና ምኽንያት በሪ መንግስተ ሰማያት ተኸፊቱ ምባል ጀመራ፡፡ በዚ ምኽንያት ድማ እዩ ኣብ እስራኤል ዝተጀመረ ሃይማኖታዊ ወደሳ ሎሚ ኣሸንዳ ኮይኑ ንረኽቦ ምባሎም ይሕብር፡፡

እዚ መፅናዕታዊ ፅሑፍ መካትዒ ሓሳቡ ይቕፅል (መብራህተን 2011) ብምውካስ፡፡ እዞም ሃይማኖታዊ ግምታት ብመርትዖ ይደገፉ ኣይደገፉ ብዘየገድስ  ኣሸንዳ ምስ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ምትእስሳር እንተሃልይዎ ስለምንታይ ደኣ ኣብ ትግራይን ገለ ከባቢታት ኣገውን ጥራይ ተሓፂሩ ዝብል ሕቶ የልዕል ፡፡ ሰዓብቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኣብዘለውሉ ኩሉ ኣሸንዳ ምተኸበረ ንምባል እዩ፡፡ ንሱ እንተኾይኑ ሎሚ ኣሽንዳ ከምቶም ካልኦት ሃይማኖታዊ በዓላት ኣብ መላእ ዓለም ምተኸበረ ኔሩ፡፡

ወረ ብኸባቢ ጥራሕ እንተይኮነስ ደቂ ኣንስትዮ  ትግራይ ሰዓብቲ እምነት እስልምና ውን ኣሸንዳ ይውድሳ እየን፡፡ እንታይ ምውዳስ ጥራሕ እንኮላይ እንዳ ኣቦይ ሓጂ እናኸዳ “ኣቦይ ሓጂ … ኮላዒ ልቺ “  እናበላ ይውድሳ፡፡

በቲ በለ በዚ ግና ኣሸንዳ ሃይማኖታዊ ድሕረ ባይታ ኣለዎ ኢልካ መደምደምታ ንምዕራፍ ኣፀጋሚ ከም ዝኾነ ይገልፅ እቲ መፅናዕቲ፡፡ የግዳስ  ኣሸንዳ ምስ ክራማትን ተስፋ ማእቶትን ከምኡ እውን ኣብደጉዓ ከባቢታት ብበዚሒ ዝቦቅል ዓሌት ዕረ ዝኾነ ቆፅሊ ኣሸንዳ ምትእስሳር ከም ዘለዎ ካብ ደርፍታት ኣሸንዳን ደቂ ኣሸንዳ ዝዕጠቐኦ ቆፅሊ ኣሸንዳን ምርዳእ ከም ዝከኣል ይገልፅ፡፡

“ኣቲ ዘንጊ ወርቂ ዘንጊ ወርቂ

እሞ ሃየ ሃየ ከይትወድቂ“ ኢለን ሓንጊረን ዘዚማላ ብርሑቅ ኣብ ዓይኒ እትኣቱ ቆልዓ ኣሸንዳ ምስ ካብቲ ቆፅሊ ተወንጢሓ ብርሑቅ እትልለ ዕምበባ ቆፅሊ ኣሸንዳ ብምምስሳል ድማ መርትዖ የቕርብ፡፡

አሸንዳን ፅባቐ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይን

ንድምቀት ኣሸንዳ ዝዝውተሩ መቦቀሎም ኣብ ትግራይ ዝኾኑ  ባህላዊ መጋየፂታት፤ ክዳውንቲን ቁኖን ዘይተሓንፈፁ ባህላዊ መልክዓት ትግራይን ጎራዙ ተጋን እዮም፡፡እዞም መመላክዒታት ኣሸንዳ መርኣያ ምትእስሳር ተጋሩን አሸንዳን እዮም፡፡

ኣሸንዳን ተጋሩን ዘለዎም ምትእስሳር ካብ እዋን ስልጣነ ኣክሱም ዝጅምር ምዃኑ ዘረጋግፁ ሓድግታት ከም ዝተረኸቡ ይግለፅ፡፡ጎራዙ ትግራይ ይጥቀማሉ ከም ዝነበራ ዝእመነሉ ካብ 2000- 3000 ዓመት ዘቑፀሩ ጥንታዊ መጋየፂታት ኣብ ከባቢ ውቕሮ  ወረዳ ክልተኣውላዕሎ  መቃብር ጋዕዋ ዓዲ ኣካውሕ፤ ዋካሪዳን ማርያም ሓምዛን ኣብ ዝተብሃሉ ከባቢታት  ከም ዝተረኸቡ ሰብ ሞያ ስነ ኳዕቲ ጀርመን ዕላዊ ካብ ዝገብሩ ውዒሉ ሓዲሩ ኣሎ፡፡ ኣብቲ ኳዕቲ ዝተረኸቡ መቕመጢ ኩሕሊን ሽቱን ፤ ዝተፈላለዩ ዕንቁታትን መስትያትን ሐዚ ኣብ ሙዝየም ውቕሮ ዝርከቡን እዮም፡፡ እዞም ሓድግታት ብምርኣይ ጥራይ ቀጥታዊ ምትእስሳር ኣሸንዳን ተጋሩን ምግንዛብ ይከኣል፡፡

ኩትቻ፤ ሽቛር፤ ፅሩራ፤ ጎባጉብ፤ ሕንቆ መስቀል፤ ኣልቦ፤ ወለባ፤ ሽቦ ወዘተ  ካብ ብሩር፤ጥርቀለም ሓልሓሊፉ ድማ ካብ ወርቂ ዝስራሕ መጋየፂታት፤ ሰለስተ ሽማግለ፤ ሸውዓተ ኣልባሶ፤ ኣልባሶን ስንቅርን፤ጋመ፤ ዓሳ፤ግልብጭ፤ ምስ ሳርጌታ ወይእውን ብዘይ ሳርጌታ ከም ምርጨአን ዝተፈልለየ ስያመታት ዘለዎም ዓይነታት ቁኖ፤ ድርባድር፤ ዝርዝር፤ሃይማኖት፤ ቦፌ ዙርያ፤ ጥልፊ ወዘተ በዚ ሎሚ ዘመን ዘምፀኦ ብ ማሽን ዝስናዕ እንተይኮነስ ብጥንቃቐ ተኣርዩ ብዝጥለፍ ሕድያት ወቂቡ ኢደ ጥበብ ተጋሩ ዝዓረፎ ኣልባሳት፤ ቁናምኒ ፤ ጠስሚ፤ ኩሕሊ ወዲ ኩሕሊ ተሓዊስዎ ዝጎልህ መልክዕ ደቂ ኣንስትዮ ኣሸንዳ “ ቆልዓ አሸንዳ ሪኢኻ ኣይትተሓፀ “ ክሳብ ዝበሃል ይነኣድ፡፡

“ ቆልዓ አሸንዳ ሪኢኻ ኣይትተሓፀ “ ዝብል ምስላ እውንትኡ ጥራሕ ንረደኣዮ እንተበልና ይሓይሽ እምበር  ሰንጠቕቲ ፀጉሪ ንኹን እንተይልና ቁንጅና ደቂ ኣንስትዮ ትግራይስ  ኣብ ኣሸንዳ ዝኹላዕ ሕላፍ ኣሸንዳ ድማ ዝሃስስ ኣይኮነን ኢልና ሽምጥና ገቲርና ምተኻታዕና  ኔርና፡፡

ደቂ ኣሸንዳ እውን በዚ መልክዕ ስለ ዝተረደኦኦ እዩ ኣሸንዳን ፅባቐ ደቂ ኣንስትዮን ኣመልኪተን ዝውድሳ፡፡

ኣሸንዳ ወለላየ

ኩለን ድየን ከማይ ዝቑነናየ

ኣነ በይነይ

                            ኣብ ጉንዲ ዕረ

                            ኣብ ጉንዲ  ዕረ

                            ኩትቻይ ረሲዐ ኔረ  

                                                    ኣውላድ ስኒ ፀባየ 

                                                    ምሰላ ኣበባየ

እስኪቲ በቲ እቲ

እስኪቲ በቲ

ኣደዋየ እቲ

ጣስምኒ እቲ

ኮሓልኒ እቲ

በዓል ፈረስ እቲ

ክወስደኒ እቲ

በዓል ኣድጊ እቲ

ክገድፈኒ አቲ…

                      

                                     ኣሸንዳ ማለት

                                     ሕንጥልጥል ደረት

                                     ሻቑረየ ሸቑረየ

                                     
ናፊቐኪ ከሪመየ

ኣዋልድ ቆላየ

ዘውእማ በላየ

ዝውበሃሎ

                 ኣትን ኣዋልድ እንታይ ደሊኽንየ

                ሓሸው እናበለ ዙርያ ጋማኽንየ

                ኣትን ኣዋልድ ትሕመያኣለኽንየ

                ሓሸው እናበለ ዙርያ ጋማኽንየ

                        

ኣከባብራ ኣሸንዳ

ነዊሕ ግዘ ዝወሰደ ቅድመ ምድላው አሸንዳ ዛዚመን ኣሸንዳ እንትበፀሕ እቲ ስሩዕ ኣከባበብራ በዓል ኣሸንዳ ይጅምር፡፡16 ነሓሰ ዝጅምር ቅነ ናፅነት ቆልዑ ኣሸንዳ መዛዘሚኡ ዋላ በብከባቢኡ ይፈላለ ክሳብ ወርሒ መስከረም ዝፀንሕ እዩ፡፡

በቲ ንሰለስተ መዓልትታት ዝፀንሕ ከባቢ መቀለ እንትንርኢ፡-

ኣሸንዳ ንዓሚየ

ተጋኒና ሎሚየ

            መፀት መፀት

            ኣሸንዳ ዕምበብ መፀት

ኣይተዐንቅፍኒ ርግሀ

ምስ ኣሸንዳይ እየ ዝለሀ

                          ዕምበብ ዕምበበይቲየ

                          መሓዛ ኣንስቲ

                         ዕምበብ ኣበይኣላየ

                          ወርቂ ክሰደላየ

ኣሸንዳ ኣሸንዳ ዓደይ

ብወራውርዶ ክሰብራ ኢደይ … ወዘተ ኢለን ቆልዑ ኣሸንዳ  ዝተቐበለኣ ኣሸንዳ ሰለስተ መዓልቲ ብፍቅሪ ምስ አሸንደኣን ቀንየን እውን ኣይፀግበኣን፡፡ ኣብቲ ፈላማይ መዓልቲ ተራኺበን ኣብ ሓደ ተኣኪበን

ክበባየ ክበባ  ከም ሸምባቆ ርበባ … እናበላ ጎይለኣን ዐምብራ፡፡

ንፅባሒትኡ ድማ  ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዝኣተወኦ መፅበዓ ተደሪኸን ንበዓላልቲን ወይዘራዝርን ኣብ ገገዝኣን እናኸዳ እንትውድሰኣን ን ሰብኡትን ኣጓብዝን ድማ ኣብ መንገዲ እናኸተራ የወድሳ፡፡ ይትረፍ ብእግሩ ንዝጎዓዝ ነቲ ኣሽከርካሪ ውን መኪና ብቅናተን ከቲረን  “ በዓል መኪና ፅሩይየ… ሓደ ቅርሺንዶ ደርብየ  “እናበላ እየን ዝውድሳ፡፡ እንተተዋሂበን ኣመስጊነን ፤ እተተኸሊኣን ኣዋሪደን ፀሪፈን፤ እንተዊሒድወን ተማሕፂነን ዝኣከበኦ ቅርሺ ከከም ከባቢኡ ይፈላለ ን ኣብያተ ክርስትያናት ይህበኦ ወይድማ ይማቐለኦ፡፡

 

ኣብ ሳልስቲ ድማ ፡- ዲነይዶ ዲነኺ ትዒምብርየ

                   ዲነይ ደኣ ጓለይ ትዕምብርየ

                                    ኣምበሳ ፅሩይየ ማይንጎሆ

                                    ክበኣስ ዝበለ ኣብዚ እኒሆ

እናበላ ብጉጅለ ኮይነን ዝነሓነሓሉ ሓያልነተን ዘመስክራሉ መድረኽ እዩ፡፡ ሓልሓሊፉ ቀይዲ ዝበተኸ ተርእዮታት ዋላ እንተሃለወ እቲ ዘይተሓንፈፀ ወለድና ዘፅነሓልና ባህሊ ግና ዕላማ ናይቲ ሳልስቲ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ኣሸንዳ ምስ ምዃኑ ተኣሳሲሩ ብድምቀት ንምጉያልን ንምዕምባርን እዩ፡፡

መፀት መፀት ኢለን ዝተቐበለኣ ኣሸንደኣን ኣዋልድ ሎሚ ዕበዳየ ኣሸንዳኽን ከይዳ … ኣዋልደየ ተፃወታ  ደጊም ኮይናትና ንዓመታ ኢለን ይሰናበታኣ፡፡

ኣሸንዳ ቅነ ናፅነትን መዓርነትን ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ

                                       

ብፍቕሪ ኣሸንዳ ፅሉላት ካብ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ሓንቲ ኣነ እየ፡፡ዓመት ሙሉእ ካብ ዝኽበሩ በዓላት ስለምንታይ እባ እየ ን ኣሸንዳ ዘለኒ ፍቕሪ ፉሉይ ዝኾነ ኢለ ንባዕለይ ሓቲተ ኣይፈልጥን፡፡ ምኽንያቱ ካብ ሓንቲ በዓልቲ ጥዑይ ኣእምሮ ዘለዋ ጓል አንስተይቲ ትግራይ ትፅቢት ዝግበር ንቡር ፍቅሪ ኣሸንዳ ስለ ዝኾነ፡፡

 ብመሰረት መረዳእታ ሓድግታት ስነ ኳዕቲ ካብ ዘበነ ስልጣነ ኣክሱም ጀሚሩ ኣብ ትግራይ ኣሸንዳ እናተኸበረ መፂኡን ኣሎን፡፡እዚ ማለት ካብቲ ዘመን ንሱ ጀሚሩ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ኣብ ቕነ ኣሸንዳ ኣብ ኣደባባይ ወፂኣን ይብሊኒ ዘይብሉ ሓሳባተንን ርእይቶኣንን ክዛረባ፤ ክደርፋን ክንቀሳቐሳን ዘኽኣለን፤ ቅንያቱ ኣበይ ኣለኽን ? በበይ ወፃእኽን?  በበይ ኣተኽን? በሃላይ ዘይብሉ ካብ ፅዕንቶታት ስድራ ይኹን መላእ ማሕበረሰብ ሓራ ወፂኣን ኣብ ሰብእነኣን ክውስና ሓላፍነት ዝወሃባሉ ኣብ ኣሸንዳ ዝተደረኸ መሰልን ናፅነተን ዝረኽባሉ በዓል እዩ ኣሸንዳ፡ በዚ ምክንያት ድማ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ምስ ኣሸንዳ ዘለዎን ፍቕሪ ሕልፊ ይገብሮ፡፡

ኣሸንዳን ፆታዊ ማዕርነትን ናፅነትን ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዝትንትኑ መፅናዕታዊ ፅሑፋት እውን ነዚ የጠናኽሩ፡፡

ኣሸንዳ ጎራዙ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ዝውፀዐን ማሕበረሰብ ተፈልየን ፀገማተን ኣልዒለን ዝዝትያሉን ብሙዚቃዊን ፌስቲቫላዊን መንፈስ መረረተን ዘስመዓሉ ፤ ድልየተን ዘንፀባርቓሉ ባህላዊ መድረኽ ምንቅስቓስ ፆታዊ መዓርነት (indigenous feminism) ክበሃል ይከኣል፡፡

ከምዚ ዝበሉ ደቂ ኣንስትዮን ሙዚቃን ማእኸል ዝገበሩ ምንቅስቓሳት ፆታዊ መዓርነት ኣብ ካልኦት ሃገራት እውን ኣለው፡፡ እዞም ሙዚቃ ምንቅስቓሳት ፆታዊ መዓርነት ካብቲ ኣብ ሕብረተሰብ ዝተለመዱ ብደቂ ተባዕትዮ ዝተዓብለሉ መድረኻት ፍልይ ብዝበለ መልክዑ ብደቂ ኣንስትዮ ዝተዓብለሉ መድረኻት ይፈጥሩ፡፡ ብምባል  መወከሲታት ይፀርሑ፡፡

ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ክሳብ ክንዲዚ ናፅነት ንዘጎናፀፈተን ኣሸንዳ ዘለወን ፍቕሪን ህርፋንን ብደርፍታተን ከምዘንፀባርቐኦ ብኣብነት ኣደጊፎም ይትንትኑ፡፡

ሽቦየ ንመን እየ ዝህቦየ

ሽቦየ ን ኣሸንዳዋይ ክህባየ…

ዝብል ደርፊ ጥራሕ እኹል መረዳእታ እዩ፡፡ ሽቦ ማለት ኣብ ኢድ ዝእሰር ቀለበት እዩ፡፡ ብብህሊ ተጋሩ ብጣዕሚ ን እትፈትዎን እትኣምኖን ሰብ ከም መግለፂ ፍቕሪን እምነትን ተጌሩ ዝወሃብ ህያብ እዩ፡፡ መርዓትን መርዓዊን ነንሕድሕድኦም ዝወሃሃብዎ ናይ ክብሪ ህያብ እዩ፡፡ኣብ እዋን ምሻም ሓድሽ ንጉስ እውን እቲ ነባር ንጉስ ነቲ ሓድሽ ዝተሸመ ንጉስ ሽቦ ብመልክዕ ህያብ የበርክተሉ፡፡ስለዚ ደቂ ኣሸንዳ ድማ ሽቦ ንኣሸንዳዋይ ክህባየ ኢለን ካብ ምግላፅ ንላዕሊ ን ኣሸንዳ ዘለወን ፍቕሪ ዝገልፃሉ መንገዲ ብለንን፡፡

አሸንዳዋይዶ መሲሉኒ

ረስዐያ ኔረ ይረሰዐኒ

       ክንዲ ምሰሐይ ድራረይ

       ኣሸንዳ መዓረይ

                             


                            
  
ብ ፀደይ ገዛህኝ

መወከሲ ፅሑፈይ- ውፅኢት ምርምራት ቀዳማይ ሃገራዊ ሲምፖዝየም ቋንቋታት ትግራይን ካልኦት ፅሑፋትን


አስተያየቶች

ከዚህ ጦማር ታዋቂ ልጥፎች

ክንዮ ምግሃስ ክብሪ ዋዕሮ ትግራይ...!!! Rape as a Weapon of war in Tigray