ክንዮ ምግሃስ ክብሪ ዋዕሮ ትግራይ...!!! Rape as a Weapon of war in Tigray

 ክንዮ ምግሃስ ክብሪ ዋዕሮ ትግራይ...!!!

ብ ሞናሊዛ

ድሕሪ ዓወት 1983ዓ.ም ትግራይ ዳግም  ኲናት ከጓንፋ እዮ ኢሉ ዝሐስብን ዘስተንትንን ዋላ ሐደ ትግራዋይ ስለዘይነበረ ነብሲወከፍ  ተጋሩ ንመፃኢና አሚትና ዓለም ዝበፅሖ ናሕሲ ስልጣነን ምዕባለን ክንበፅሕ ፍሕጠርጠር ዝበልናሉ ፣ በቲ ፍሕጠርጠር ዝበልናሉ መጠን ድማ አብ መላእ ዓለም አብ መድረኽ ዓለም አንዳዕዲዕና እንምከሐሎም ሊቃውንቲ፣መሃዝቲን ተመራመርቲን ዘፍረናሉ፣ ብኩለመዳይ ንቅሐተ ሕልናና ሐፍ ዝበለ ተጋሩ ዝፈጠርናሉ ልዕሊ ርብዒ ክፍለዘመን እዮ ሐሊፉ፡፡ 

እዚ ከምብዋዛ ዝሐለፈ መዋእል በዚ ከምዚዓይነት ስነ ልቦና ምሕላፍና አየናስሐናን እኳደአስ እንሕበነሉን አብ ታሪኽ አንዳዕዲዕና ንውልድ ወለዶ እነዘንትዎ ወርቃዊ ታሪኽና ምኳኑ ኩላህና ንስማዕመዐሉ፡፡ አብዚ መዋእል ዋላኳ በዚ ጥንኩር ስነልቦና እንተሐለፍና ፈታዊናን ፀላኢናን ከይመመና፣ ሰምዒን ወርቂን ቅኔ ናይታ እንሃንፃ ዝነበርና "እታ ሽማ እኳ ክትፅወዓ እተሰክፈካ ሃገር " ከይፈታሕና ( እዚ ነቲ አብዘሓ ሐፍሽ 'ምበር ገለ ፖለቲከኛታትን ልሂቃን ተጋሩን ነዚ ይዝንግዕዎ እዮም ዝብል እምነት የብለይን) ፣ አብ ታሪኽ ዝተበደልናን ዝተወፃዕናን ክንስና ነቶም ንሐርነቶም መስዋእቲ ንዝኸፈለሎም ከዲዖም በገዛ ፍቃዶም ንባርነት ኢዶም ዝሃቡ እልፊ መጣቃዕቲ ብሄርብሄረሰባት ኢትዮጵያ ተጣበቕቲ ኮይንና ንዓርስና ከይኮንና ብስክፍታን ከይብሉኒን ዘሐለፍናዮ  መዋእል 'ምበር ምስ ልብና ዝተጉዓዝናሉ መዋእል ኔሩ ዝብል እምነት የብለይን፡፡

ፀላእትና ግና አብክንዲ ነቲ ብደምናን አዕፅምትናን ዘምፃእናዮ ሰላምን ምዕባለን ዘስተማቕሩ ፣ እቲ አቦታቶም አብ ልዕሌና ዝፈፀምዎ ታሪኽ ዘይርሰዖ ወፅዓን በደልን ረሲዕና ሕድገት ጌርናልኩም እንትንብሎም አብክንዲ ኢድነሲኦም መፃኢኦም ዘብርሁ፣ ነብስወከፍ መዓልታት፣ሰዓታት፣ ደቓይቕ ፣ ሰከንድታትን መይክሮ ሰከንድታትን ከይተረፈ 27 ዓመታት ከም ሐንቲ መዓልቲ ሽርሒን ውዲትን አብ ዝባንና እንትፍሕሱ ውዒሎም ይሐድሩ እዮም ኔሮም፡፡ እዚ ዝፍሕስዎ ውዲትን ሽርሒን ዝፍፅሙሉ ዘራይ ግዘ ክሳብ ዝረኽቡ ድማ ብመልሐሶም ለመፅመፅ እናበሉ እንተወስድሱና ብልቦም ግና እንተኺኢሎም ብባርነት ክድዕኹና እንተዘይኮይኑሎም ድማ አሰር መሰደርና ከጥጥፍኡና ከፅንቱና ዘኽእሎም መንገዲታት ሃቂኖም ሕንዞም እናነዝሑ እዮም ዕምሮም አሕሊፎምዎ፡፡ ፀላእትና እዚ እንትገብሩ ንሕና ተጋሩ ግና ክሳብ እታ ኲናት ዝተጀመረትላ ፃት ብኹለመዳይ ከይተዳለና፣ከይነቓሕና   ንዓና ነዚ ሐዱሽ ወለዶ እቲ ብታሪኽ ሰሚዕና ጥራሕ ዘሰከሐናን ንወለድና ድማ ሰንሰን ዘበለ ኲናት ዝበሃል ዕጫ ወለድና ክንርከብ ግድን ኮይኑ፡፡

ኲናት በለዒ ሰብ፣ ኲናት መብረሲ ንዋይ ዓዲ፣ ኲናት ኩለመዳያዊ ኪሳራ ናይ ክልቲኡ አብቲ ኲናት ዝሳተፉ አካላት ምኳኑ ተፈቲሑ ዝሐደረ ሕልሚ እዮ፡፡ አብ ታሪኽ ዓለም ኲናት ካብ ዘስዕቦም ወድዓዊ ዕንወታትን ኪሳራታትን ከም ናይ ትግራይ ኲናት አብ ውሽጢ ሽዱሽተ አዋርሕ ዘተአናገዶ ግፍዒን በደልን ይህሉ እዮ ኢለ አይሐስብን፡፡ ስለምንታይሲ እቲ አብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተአወጀ ኲናት ተራ ኲናት እንተይኮነስ ቅሉዕ ወፍሪ ምፅናት ዓሌት  ስለ ዝኾነ እዮ፡፡ ፀለእትና እዚ ኲናት እንትእውጁ ትግራዋይ ብ አፈሙዝ ከሰኩንዎ ከምዘይክእሉ አፀቢቖም ስለዝፈልጡ ብዝኾነ ይኹን መማረፂ ዓቕሞም ዝፈቐዶ ኩሎም አማራፂታት ምፅናት ዓሌት ፈፂሞም ካብ ገፀምድሪ ከጥፍኡና እዮም ዝፅዕሩ ዘለው፡፡ ብጥይትን ብጥምየትን፣ ብዓመፅን ክትራንን ፣ ብስነ አእምሮን ስነ ልቦናን ኮታስ እንታይ ተሪፍዎም ብኹለመዳይ ገጢሞምና አለው፡፡ ፀላእትና አብ ልዕሌና ዝአወጅዎ ኲናት ምፅናት ዓሌት ከዐውቱ ከብ ዝመረፅዎም ሜላታት እቲ ሐደን ንተራ ተዓዛቢ ቀሊል ዝመስል ፅለውኡግና ዓሚቕን ረዚንን ዝኾነን ወፍሪ ምምካን ማህፀን ትግራይ እዮ፡፡


አብዚ ፅሑፈይ ሎሚ ፀላእትና ግዘ ረኸብና ኢሎም አብ ልዕሊ ደቂአንስትዮ ትግራይ ዘውርድዎ ዘለው አብ ዓለም ተራእዮ ዘይፈልጥ ዘስካሕክሕ ፆታዊ መጥቃዕቲን ክንዮ ምግሃስ ክብሪ  ደቂ አንስትዮ ትግራይ ፀላእትና ዝሃቀንዎ ውዲት ዝጥምት ሐሳበይ ከተንፍስ ብሂገ፡፡

እዚ ኲናት አብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝእወጀሉ ፃት ጀሚሩ አብግንባር አብ ልዕሊ ፀላእትና ዝበፅሖም ዘሎ መዳርግቲ አልቦ ኪሳራታት ሰንሰን እንተብሉም ሕነ ሕነ ቀራናት ንጓዕማማት ከም ዝበሃል ኮይኑ አብ ልዕሊ ንፁሃን ተጋሩ  ሕነ ምፍዳይ ንምጅማር ን ፃት 'ውን አይተዓገሱናን፡፡ ነዚ ስዒቡ ድማ ካብ ጫፍ ክሳብ ጫፍ ትግራይ ዘለዋ ደቂ አንስትዮ ትግራይ ግዳይ እዚ መጥቃዕቲ ኮይነንን ይኾና አለዋን፡፡ ዕድመአን ብዘየገድስ፣ ኩነታት መነባብሮአን፣ ባህላዊ ክብርታተንን ስነልቦናዊ ንቅሐተንን ብዘየገድስ ከብ ክብረንፅህነአን ዝሐለዋ ደናግል ክሳብ መናንያን ደናግልን አንስቲ ቀሻውሽቲን ካህናትን ፣ ካብ ነብሰፁራትን ሐራሳትን ክሳብ ቆረብቲ ሰገድቲ ደቂሰማንያ አረግቶትን ህፃናትን ፣ ካብ ጎሎአን ዘይፀንዐ አይኮነን ክትደፍረን ክትርእየን እኳ ዘሰሰዓ መላምል ሰገናት ክሳብ አብ ቅድሚ አሚነንን ውሉደንን ክብረን ዝተጋህሳ ሐደሽቲ መርዑት ኮታስ   ብዝኾነ አጋጣሚ ኢድ ፀላኢ ዝአተዋ እርኑባት ደቂ አንስትዮ ትግራይ ኩለን ብዘስካሕክሕ መልክዑ ክብረን ተጋሂሱን ብቀፃሊ ድማ ይገሃሳ አለዋን፡፡

እዚ ዓለም ዘደንፀወ ኣይኮነን ብ አምሳያ ፈጣሪ ዝተፈጥረ ሰብ ካብ እንስሳ 'ውን ትፅቢት ዘይግበር ተግባር ዕምቆቱን ፅልዉኡን ብ መጠኑ ንምግንዛብ እቲ ሐደ ትግራዋይ ኮይንካ ምርካብ ካብኡ ብዝዘለለ ድማ ጓልአንስተይቲ ኮይንካ ምሕላፍ ግድን  ይኸውን፡፡  ስጋዊ ርክብ ተፃረርቲ ፆታ ንቡርን ካብቶም ናይ መጀመርታ ፍጡራን እዛ ምድሪ አዳምን ሄዋንን ዝብገስ ተፈጥሮአዊ ዑደት ምኳኑ ፀሐይ ዝወቅዖ ሐቂ እዮ፡፡ ይትረፍ ዶ ንጓል አንስተይቲ ንወዲ ተባዕታይ 'ውን እንተኾነ ብዘይ ሰናይ ፍቃድ አገዲድካ እንትፍፀም ግና ኣካላዊን ስነ ልቦናዊን ፀቕጢ ምፍጣሩ ባህሪያዊን ወድዓዊን ስለዝኾነ አብ ዝኾነ ይኹን ዓለም አብ ዝኾነ ይኹን ግዘ ዓለማዊን ሰማያዊን ሕጊ ዝጠሐሰ ተግባር ይኸውን፡፡ ዋላ 'ውን አብ መላእ ዓለም አብ ልዕሊ ደቂ አንስትዮ ዝበፅሕ ፆታዊ መጥቃዕቲ ብፍላይ ድማ ምድፍር ( ዓመፅ) ስዒቡ ዝብየን ብይን ዋላኳ ንክብሪን በሰላን እታ ጓል አንስተይቲ ዝምልስ ፍትሒ ዘንግስ እዮ እንተዘይተብሃለ  ዓለማዊ ፍርዲ ስለዝኾነ ፍፁም ክኸውን ትፅቢት አይግበረሉን እሞ ዘይሙሉእ ግና ፍትሐዊ እናበልና ኢና መዋእልና መፂና፡፡ እዚ ማለት ዓመፅ ደቂ አንስትዮ አብ ዝኾነ ዓለም አብ ዝኾነ እዋን ከጋጥም ዝኽእልን ዘጋጥምን ዕረ እናጠዓመካ 'ውን እትውሕጦ  ዓለማዊ ጌጋ (The ugly normal) እዮ ከም ማለት እዮ፡፡ 

ነዚ ድማ እዮ እዚ ሎሚ አብ ልዕሊ ደቂ አንስትዮ ትግራይ ዝወርድ ዘሎ መዓት እንትሐስብ "መርዓስ ይትረፍክን ዓድኽን ሕገያ" ዝብል ምስላ ወለድና ቀዲሙ ናብ ሕልናይ ቅጅል ዝብለኒ፡፡ እዚ ዘራይ ግዘ ዘምፀኦ ዓመፅ ቂ አንስትዮ ትግራይ ካብ ተራ ስምዒት "ሰብአያዊ" ወተሃደራት አብይን ኢሳያስን ዝነቅል ተራ ገበን እዮ ኢሉ ዝሐስብ ትግራዋይ እንተደአሃልዮ ገርሂ እዮ፡፡

ከምኡ ተዝኸውን ደኣ ንሐንቲ ጓል አንስተይቲ ክሳብ 23 ዝአኽሉ ብዕስለ ንልዕሊ ሰሙን ክብራ ግሂሶም ማህፀና ሙሉእ ብሙሉእ ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ከምዝኾነ ርግፀኛ እንትኾኑ አብ መንገዲ አይምደርበይዋን፡፡ ከምኡ ተዝኸውን እማ ጎሎአን ዘይፀንዐ ዕድመአን ካብ ዓሰርተታት ዘይሰገረ (teenagers) ክብረንፅህነአን ግሂሶም እንተብቅዑ ምዕጋብ አብይዎምስ መሐውረን 'ውን ቆራሪፆም አካላዊን ስነ ኣእምሮአዊን በሰላ አብ ዕምረን አንቢሮም አይምገደፍወንን፡፡ ከምኡ ተዝኸውን ደአ ዓለም መኒነን ብድንግልነአን ዝፀንዓ መንፈሳውያን ተጋሩ፣ አንስቲ አቕሽቲ፣ ቆረብቲ ሰገድቲ  ደቂ ሰማንያ ምንማንያ አዴታት ትግራይ ብተራ ወተሃደር ክብረን አይምተጋህሰን፡፡  


ፀላእቲና ውራዮም አገዲድካ መንፈሲ ስምዒትካ ናይ ምግባር ተራ ገበን ስለ ዘይኮነ ደፊሮምን ዓሚፆምን ከብቅዑ እቲ አብ ልዕሊአን ዝበፅሐ በደል ዕላምኡ ተገንዚበን ዘይተንበርከኻ እቲ ወፅዓ ዘሐረነን ፅኑዓት ከም እምኒ ዓረ ኮይነን እንትርከባ ድማ ንዘንተእለት ማህፀነን ከንቱ ንምግባር  ነቲ ነናሽዑ ጅግና ዘፍሪ ማህፀን ትግራይ ብርሱን ሐፂን አይምረሸሽዎን፣ አብ ማህፀን አዶ ትግራይ አይኮነን ክትፍፅሞ ክትሐስቦ ውን ዘስካሕክሕ ባዕዳዊ  ነገራት አይመእተውን፡፡ ከምኡ ተዝኸውን ደአ ብዕስለ ደፊሮም እንተብቅዑ ብስቃይን ቃንዛን ንፅህቲ ጓል አንስተይቲ ትግራይ አይመባጨውን አፍ አውፂኦም ድማ" ደምኪ ነፅርየልኪ ኢና ዘለና ብመንነትኪ አብ ገፀምድሪ ክትነብሪ ስለ ዘይፍቀደልኪ ነምሐርሕረኪ ኢና ዘለና" ኢሎም ተረጊፆም አይምፈከሩን፡፡ ከምኡ ተዝኸውን ደኣ ናይዚ ሰይጣናዊ ወፍሪ መራሒ አብ ታሪኽና ዘይርሳዕ በሰላ ዘንብርዘሎ አብይ ካብማህፀን አዲኡ ዝተወልደ  መፃምዲ ጓልሄዋን አቦ ደቂ አንስትዮ ምኳኑ ከይዘንገዐ " እነሱ የተደፈሩት በወንድ ነው፡፡ የኛ ሰራዊት ግን የተደፈሩት በሳንጃ ነው፡፡" ብምባል ምፅናት ማህፀን ትግራይ ክሳብ ክንደየናይ ከምዘዕገቦ አብ አደባባይ ተጠሊዑ ድምብርፅ ከይበለ አይምተዛረበን፡፡

ስለዚ እዚ ዓመፅ ደቂ አንስትዮ ትግራይ ብተራ ስምዒት ወተሃደር ዝነቅል እንተይኮነስ እቲ በቢ ዘመኑ ትግራይ ርእሳ አቕኒዓ አብ አደባባይ ዓለም ክትልለ ዘኽአላ ፣ እቲ ሚድያታት ዓለም "The powerfull minority " ብምባል አጀንዳ ዓለም ጌሮም ብቁፅርና ውሑዳት ግን ድማ ፅዕንቶ ፈጠርቲ ምኳንና ክምስክሩ ዘገደዶም፣ ካልእ ይትረፍ  አብዚ ሐዱሽ ወለዶ አርባዕተ ሃገራት ሙሉእ ዓቕመን ተጠቒመን ከምበርክኻና ከምዘይክእላ ዘመስከረ ጅግንነትና ፣ ንዘበናት ንባርነት ኢድና ዘይንህብ ብኩለመዳይ ንቑሐትን ጥንኩራትን ኮይና ክንውለድ ምኽንያት ዝኾነና ዘንተእለት ጅግና ወሊዳ ዘይትርብርብ ማህፀን ትግራይ ብአጋ ጀጋኑ ከየፍሪ ንምምካን ዓሊሞም አካል እቲ ምፅናት ዓሌት ጌሮም ሐይሎም ፀንቂቆም ዝወፈሩሉ ዓመፅ ሰለዝኾነ እዮ፡፡ ነዚ ድማ እዮ ዓለም ነቲ አብ ዳርፉርን አፍጋኒስታንን ተፈፂሙ ዓለም ዘቖጠዐ" rape as weapon of war " አብ ትግራይ ይፍፀም አሎ ብምባል ዝኹንኖ ዘሎ፡፡

እቲ ሐቂን ሚስጥራዊ ፍታሕ እዚ ገበንን ንምግንዛብ ከም ተጋሩ ክንፅገም ኢና ዝብል እምነት የብለይን፡፡ ምግንዛብና ግና ተገፊዕና ኢልና ክንነብዕ እንተይኮነስ በቲ ፀላእትና ዝመፅዎ ልክዕ ሐሪንናን ፀኒዕናን ዕድመ ፀላእትና ክነሐፅር ዘኽእለና ቃልሲ ክነካይድ እንተኽኢሉና እዮ ግርም፡፡ እንተደአዘየለ ግና እዚ ንተግባሩን ንወርኡን ቀሊል ዕላምኡን ፅዕንትኡን ግና ረዚን ዝኾነ ተግባር ግዘ ከይሃብና እተዘየዐጊስናዮ  ንፀላእትና ዕለመኦም ከዐውቱ ምፍቃድ ጥራይ እንተይኮነሰ ንወለዶ ዝተርፍ ዕዳ  ነፅንሕ ከምዘለናን ፅባሕ ነቲ ቀፃሊ ወለዶ እነረክባ ትግራይ እታ ካብ ወለድና ዝተረከብናያ ትግራይ  ምስ ክብራ እትኾነሉ ዕድል አይህሉን ማለት እዮ፡፡ 

አየናይ ንመርፅ ? ከም ህዝቢ ንክብርና መስዋእቲ ምኽፍል ዶ ? ክብርና ናብ ዋጋ ዕዳጋ ምቕራብ?  

እታ ካብ ወለድና ዝተረከብናያ ክብራ ዝተሐለወት ትግራይ ንቀፃሊ ወለዶ ምርካብዶ ወይስ ንወለዶ ተሐተትቲ ምኳን ውሳነ ህዝቢ ትግራይ ኦሮማይ ንፁር እዮ፡፡  

ቃልስና ይንዋሕ ይሕፀር ይምረር ይጥዓም ብዘየገድስ ዓወትና ናይ ግድን እዮ፡፡


አስተያየቶች

ከዚህ ጦማር ታዋቂ ልጥፎች

ኣሸንዳ… ቅነ ሓርነት ጎራዙ ትግራይ