ኣሸንዳ… ቅነ ሓርነት ጎራዙ ትግራይ
ክራማት ሒዙ ሰነን ሓምለን ክዛዘም ባሕቲ ነሓሰ እንትቃረብ ብፍላይ ሰናይ ዘበን እንተኾይኑ ሓምለን ነሓሰን ኣይንፈላለ ኮይኑ ዝናብ ክራማት ጢቕ እንትብል ፤ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ መዓንጠአን ሸጥ ኣቢለን ቀልበንን ውራየንን ኣሽንዳ ይኸውን፡፡ ኣሸንዳ ን ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ፉሉይ ክብሪ እዩ ዘለዎ፡፡ ኣሸንዳ መግለፂ ባህሊ፤ክብሪን መንነትን ህዝቢ ትግራይ፤ ኣሸንዳ መግለፂ ናፅነትን መዓርነትን ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ፤ ኣሸንዳ መግለፂ ሓድነት ሃይማኖታት ትግራይ፤ ኣሸንዳ ነፀብራቕ ማሕበራዊ፤ ቁጠባዊን ፖለቲካዊን ኣራእያን ፍልስፍናን ትግራይን ተጋሩን፤ ኮታስ ኣሸንዳ ንተጋሩ ብፍላይ ድማ ንደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ኣውደኣመት ጥራሕ ኣይኮነን፡፡ መፍለይ ትግራይን ትግራዋይነትን ውን እዪ ኣሸንዳ፡፡ ኣብዚ ዓምዲ ትርጉም፤ ድሕረ ባይታ ኣከባብራ ኣሸንዳን ምትእስሳር ኣሸንዳን ደቂ ኣንስትዮ ትግራይን ገለ ፅሑፋት ተወኪሰ ክድህስስ እየ፡፡ ድሕረ ባይታ ኣሸንዳ ታሪኻዊ ድሕረ ባይታ በዓል አሸንዳ ሃይማኖታዊ ትሕዝቶ እዩ ዘለዎ ንዝብሉ ንነዊሕ ግዚያት ብስሩዕን ብዘይ ስሩዕን ንዝወሃቡ ሓበሬታታት ብጥሪኡ ወስደ ሃይማኖታዊ ትርጉሙ እዚ እዩ ንምባል ክፅገም እየ፡፡ምኽንያቱ ኣብ ዙርያ ኣሸንዳ ትኹረት ጌሮም ዕላዊ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ዘሐተሙ ሊቃውንቲ ክካትዑሉ እምበር ክስዕምዑሉ ስለዘይተዓዘብኩ፡፡ ኣሽንዳ ሃይማኖታዊ ድዩስ ወይስ ባህላዊ መበገሲ ዘለዎ ንዝብል ብመርትዖታት ኣደጊፎም ንዝካትዑ ሊቃው...